Kishore Kumar Hits

Nguse Abadi - Merafieka текст песни

Исполнитель: Nguse Abadi

альбом: Merafieka


ዓይኒ ጠባን ሎ'ም ዘበን ይፈጥጥ ኣሎ
ወርቂ ተፍርይ ግራተይ ይምነያሎ
ወርቂ ሞተር 'ዶበልካናይ ገዛና መፂኻ
ኣሻብ ኢኻ ዳኣ ትግልበጥ ከምታ ቅጫ ዲኻ
ክላ! የናይ ጥዕናይ ዋ ሪፈር ንበረኻ
ዳኳትር ይርኣዩኻ
ዶክተርየ ዶክተር ናይ በረኻ
መራፍእኻ መራፍእኻ ጎቲመን ከይኾናስ ሰሓለን ኢኻ
ሓኪምየ ዶክተር ናይ በረኻ
ፈዉሲ ሕሙም መራፍእኻ
ስሕል ስሕል ኣቢልካስ ቀርበን ኢኻ
ረሰዕዎ ከሓድዎ ትዝማሓርካዬም ትዝፈወስካዬም
ኣብ ክንዲ ዓፅሚ ደምካ ከሓሱኒ ዶ በልካ ወሪዱካየ
ብመንጨለፍ ዶ ብማንካ ኣፅቡሑኒ በልካ ናጠመየካየ
ብኹባያ ዶ ብኽንጅር ኣስትዩኒ በልካ ናፅመአካ የ
ኣሕ! ፅማእኻባ ታ ጠመኻባታ
ክሳብ ትሕክማ ሃገር ብምልእታ
ትንፋስ ምስ ሰረዑ ብስረ ደቅኻ
ኢዶም ኣልዓሉልካ ጨቢጦም ክውሕጡኻ
ዶክተር የ ኣታ ህዝቢ እስኻ
ኣይ! መራፍእካ መራፍእካ ጎቲመን ከይኮናስ ሰሓለን ኢካ
ልቢ ምዕባይ ድዩ ጉድ ዝገበረካ
ዕያልካ እንትባረር ብገርሂ መሲሉካ
ከምዘይ ረኣካ ሓሊፍካዮ ሱቅ ኢልካ
ኣግደዱዎ እምበሪ ኣበይከ ሓፈሩ
ዝፈትዉካ መሲሎም ደቅኻ ቀተሉ
ደም ኩሩምትካ ሚዒግካዮ ሚዒግካዮ ዊሒጥካዮ ዊሒጥካዮ
ዶ ኣታዮ ዊሒጥካዮ ዶ ኩሉ
ዶክተር የ ኣታ ህዝቢ እስኻ
ፈውሲ ሕሙም መራፍእካ ስሕል ስሕል ኣቢልካስ ቀርበን ኢኻ
ወ ልወላዕካዮ ሽግ ኣጥፈእዎ
ፍርንጫዕ እናበሉ ረጋገፅዎ
ብርሃን 'ነበረ ዓዲ ኣፅልመትዎ
ወዮ ፊደል ቆፂሮም ነቂሖም በኣካ
ክሕነዮልካ ጀሚሮም ከፈራርሑካ
ናማትካ ኣይትደሊ ኣይትህብ 'ታ ናትካ
ይምነዩ ይምነዩ ይምነዩዋ'ለዉ ወርቂ ተፍሪ ግራትካ
ዶክተር የ ኣታ ህዝቢ እስኻ
ኣይ! መራፍእካ መራፍእካ ጎቲመን ከይኮናስ ቀርበን ኢካ
ዘይሓዝኩምዎ ነገር ኣሎ
በዓል እንጣጢዕ መቅሎ
ዝሓልም ከይህሊይ
ሞት ንፈርሕ ዝመስሎ
ሽግ ሓርነት ዝባሃል ምውርራስ ኣሎ
መስዋእቲ ውርሻና'ዩ
ድሕሪ ዓዎት ድሕሪ ገድሊ
ሓቢርና ምስ ሳዕሳዕና ኣብ መቓብር ዓፋኒ
ናይ መን ድኣ እሞ ኸ ክንሕዝ
ታይድዮም ዝበሉና
ከምኣ ኣፅኒሖምና ባህሊ 'ቶም ዝወለዱና
ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ ኣይ! ድዮ ኮይኑዎም
ርስቲ 'ሎም ከሳፍሑታ ኣታ ተራእዮዎ
የለን የለን ንሱስ ነፂሉ ኣበይ ክትረክቡዎ
ኣስአኑዎ 'ኮ ኣጎድጉድ ኣቢሎም ኣታ ቀቢሮምዉ
ኣውሽጥ ኣቢሎም ደፊኖምዎየ
ሓቂ ኣይትፈትዉዋን እምበር
ፈተውቲ ፅለመ
ድሕሪ ዘውዳውያን ዳ'ኾነይ
መሬት ልለምለመ
ድሕሪ ገበል ዳ'ኾነይ
ማንም ልተሾመ
ልተሾመ ልተሾመ ኮረቻ ልጠዓመ
ምስ ልዓምበረ ዓምበርቲ
ሃላሎ ዘላሎ
ክልተ ጊዜ ኣርኢኾምዎ ዓዲ
ኣራቢሕኩም ብዜሮ
እንተብረሀሎም ዘይሪኡ
ናብ ገደል ፅደፍቲ
ተመራሕካዮም ኣይስዕቡ
ድሕሪት ተመለስቲ
ለካ ላናፈቁ እዮም ጫማ ደገዝማቲ
ተመሊሶም ክልሕሱማ ከይዶም ናብ ጥንቲ
ወይለይ! ወይለይ! ወይለይ!
እንተ ንሕናማ ካብ ደጊም
ሕቡራትይ ስሙራትይ
ካብ ኢድና ኣይንሰድድይ
መሰልይ ነፃነትይ
ከቢብና ክንሕልወን
ኮይና ኣስናንይ ኩሩምትይ
መሽሎኺ የብላን'ያ ንጓሓሎ መለኻዕቲ
ሽግ ሓርነት ዝባሃል ምውርራስ ኣሎ
ሽግ ሓርነት ዝባሃል ምውርራስ ኣሎ

Поcмотреть все песни артиста

Другие альбомы исполнителя

Похожие исполнители